2016 ኦክቶበር 22, ቅዳሜ

(2ይ ክፋል) .... ደቂ መታሕት ኤርትራ፣ ብታሪኽ ዝሕበንሉ 'ብረታዊ ቃልሲ' ድዮም ጀሚሮም ወይስ ብታሪኽ ዝሕተቱሉ፧

ሓደ ጫርማን ብሌናይ ወዲ ከረን ዓርክና ኣሎ። ነገረ ስደት ኤርትራ መቸም ንኹሉና ፋሕ-ፋሕ ኣእትዩልና እንድዩ። እዚ ዓርክና ድማ ህግ ፋሕ-ፋሕ ኣቢልዎ ናብ ዘይበጽሖ መሬት የልቦን። ክብል- ክብል ግን ሓደ ግዜ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዓሊቡ። እዚ ሰብ እዚ ንኣዲስ ኣበባ ብዕላል 'ዉን ብዙሕ ዝፈልጣ ኣይነበረን። ኮይኑ ግን ኣብ ፈለማ እግሩ፣ ምድሪ ኣዲስ ኣበባ ግርም እዩ ቀድይዎ።
ኣዕሩኽቱ ድማ ተቐቢሎም ደሓን ይእተዉ፣ ምስታ ከተማ ከላልይዎ ጀምሩ። ከምቲ ዝፈትዎ ድማ ናብ እንዳ መስተዉን እልይ ከምዝብል ጌሮሞ። ድሕሪ እዚ፣ ወዮ ወዲ ንዓዲ ተለማሚድዎ በይኑዉን ክሰትን ከማስን ጀሚሩ።
እዚ ወዲ እምበኣር በይኑ ምስታይን ምምሳይን ስለዘብዝሖ ኣዕሩኽቱ፣-
ኣንታ ወዲ ክንድዚ ምስታይን በይንኻ ምምሳይን ዳኣ ኣይትፈርሕን፧ክብሉ ሓተትዎ።
ወደያት ካኣ መልሱ ኣብ ኣፉ እዩ ዝጸንሐ።
እንታይ መጺኡኒ እየ ዝፈራህኩ፣ እንድዒልኩም ዳኣ ንስኹም እምበር ኣነ ኣኳ ኣብታ መበቆል ዓደይ እየ ዘለኹ። ኣብ መሬተይ ከምድላየይ።ኢልዎም ንብለኩም።
ሓቁ እዩ።!! ኣብ ናይ ቀረባ ናይ ኣቦሓጎታቱ ምድረ-ኣገዉ ምንባሩ ዘኪሩ እዩ።
መቸም ደቂ ብሌን ነብሶም ከም ደቂ-መታሕት ድዮም ዝሓስብዋ ወይስ ከም ደቂ መላዕል(ከበሳ) ኣይበጻሕክዎን ዘለኹ።
ዕላል ወዲእና ኣለና እሞ ናብ 2 ክፋል ንእቶ።

**********************
ደቂ መታሕት ኤርትራ-እቶም ሽፍትነት ዝጀመሩን ሰዓብቶምን ማለትይ እዩ ኩሎም ኣይኮኑን- ሓንቲ ርእሶም ኣቕንዕ ኣቢሎም ዝዛረቡላን ዝንየቱላን ዛንታ ኣላቶም ኣብዛ ኤርትራ ተባሂላ ቆይማ ትልኽ ትብል ዘላ ሃገርብረታዊ ቃልሲ ጀመርቱ ንሕና ኢናእትብል ዛንታ እያ።
ደቂ-መታሕት ብዛዕባ እዚ ብረታዊ ጎነጽ ክዛረቡ ከለዉ ዘይርስዕዎ ክሳብ ሕጂ ዘሕምሞም ዛንታዉን ይዉስኽሉ እዮም፣ ንሱ ድማ ደቂ ከበሳ ክርስትያን ነቲ ንሶም ዝጀመርዎ ብረታዊ ጎነጽ ከምዝጨውይዎ። ብተወሳኺዉንእዚ ቃልሲ ከምዝዕወት ምስፈለጡ እዮም ጭዉዮምና እምበር ኣቐዲሞም ምስ ሃይለስላሴ ወጊኖም ኔሮም እዮምብምባል 'ዉን የሰንይዎ እዮም።
ዓረባዊ ዓለም - ዓረብ መንነትን ዓረባዊ እምነትን ዝመለልይኣ ኤርትራ ክምስርቱ ስለዝሓለኑ ገጾም ናብ ኤርትራ ኣቕኒዕም። "ቀይሕ ባሕሪ ድማ ዓረባዊ ቀላይ ክኸዉን ኣለዎ።!!" ዝብል ቴማ ሒዞም ኣንቂዶም።ኣብቲ እዋን ዓረባዊ ሃገራዉነት ፍሕ-ፉሕ ዝብለሉ ዝነበረ እዋን እዩ። ድሮ ንኢትይጵያ ንምኽባብ ጀማል ኣብደልናስር መራሒ ግብጺ፣ ንየመን ከይተረፈ ኣቃሚቱ ነበረ።ነቲ ዝነበረ ኩነታት ብምምዝማዝ ድማ ምስረታ ተጋድሎ ሓርነት ካብ ግብጺ ኣቃሊሖም። እዚ ድማ ንኢትዮጵያ እትበሃል ዓባይን እንኮን ክርስትያናዊት ሃገር ኣብዚ ዞባ፣ ሕማም ኩሩምቲ ክፍጠረላ ኣለዎ ካብ ዝብል ፍልስፍና ይብገስ።
ኢትዮጵያ ድማ ነዚ ከባባ ናይ ሃገራት ዓረብ ቀም ኣቢላትሉ ስለዘይትፈልጥ፣ ወትሩ ኣብ ተጠንቀቕ እያ። እዚ ለን-ቀነ እኳ ሃገራት ዓረብ ኣብ ዓሰብ ዓሪደን ምስተባህለ፣ ኢትይጵያ ብመንገዲ ቀዳማይ ምኒስተራ ጌራ ናብ ሃገራት ዓረብ ስምዕታኣ ኣቕሪባ ኣላ እያ። ሽዑ ኣብ ግዜ ሃይለስላሴዉን ከሙኡ እዩ ዝነበረ።
ኣራቢጣ ኣልእስላምያ ረብሓታት ናይቶም 75 % ካብ ሚእቲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዘቑሙ እስላም ኤርትራዉያን ዝሕሉ እዩ። ሽሕ እኳ ኤርትራ ንዘመናት ብዝተፈላላዩ ሓይልታት እንተ-ተገዝአት፣ ኣካል ኢትዮጵያ ኮይና ኣይትፈልጥን። ምስ ኢትዮጵያ ዝኾነ መቦቆላዊ (ኢትኒካዊ) ሃይማኖታዊ ታሪኻዊ ይኹን ኢኮኖምያዉ ምትእስሳር ዘይብሎም እስላም ኤርትራዉያን ንምሕዋስ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ኣበርቲዕም ይቃወሙ። " እዚ ኣብራሂም ሱልጣን ኣብ ቕድሚ ኮሚቴ ናይ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ቀሪቡ ዝበሎን ኣብ እታ ህግ ዝሓተማ ኣይንፋላለ እትብል መጽሓፍ እዉን ተጠቒሱ ዘሎ እዩ።
ምናልባት ኣብዚ መጽሓፍ ተገሊጹ ኣይተገልጸን እንድዒ እምበር፣ " ኤርትራ ካብ ምስ ኢትዮጵያ ምስ ካሊፌት ናይ ዒራቕ -ባቕዳድ - እዩ ምሕደራዊ ምትእስሳራዉን ኢሉ እዩ። ሓንቲ ብካሊፋኤት እትምራሕ ኤርትራ ክምስርት ማለቱ እዩ። ልክዕ ከምዛ ኣል-ባግዳዲ ናይ ኢሲሲዓለም ብካሊፌት ክትመሓደር ኣለዋዝብላ ዘሎ ማለት እዩ።እዚ እዩሓተ ግብ ” ........ማለት ቃል ብቓሉሓደ ኹኑ።ኢሉና ኢልኩም ስእሉ ክትጥቁዑትዉዕሉ ኢብራሂም ሱልጣን።
ጀብሃ ካኣ ነዛ ዘራባ ተቐቢሎም ልክዕ ነዚ ካሊፌት ንምምስራት ዝኸይድ መስርሕ ተተሓሒዞሞ። ሙዃን ቃል ብቛሉ እኳ፣ ጀብሃ እኳ ናይ 60’ታት ዳዕሽ እያ።!! ህግ ካኣ መቐጸልታኣ ኮይኑ እዩ ኣብ ኣስመራ ኮፍ ኢሉ ዳዓሻዊ ስራሕ ዝሰርሕ ዘሎ።
ሓንቲ ንእሽቶይ ኣብነት ክህበኩም። መሓመድ ብርሃን ብላታ ዝበሃል ሓደ ሽፍታ ናይ ጀብሃ ኣሎ ቃለ-መሕተት ዝገበሮ ስምዕዎ። ንሱ ይብል:-
ኣነን መዓሾ እምባየን ናብ ሱዳን ምስ ከድና ወልዳይ ግደን ኪዳነ ክፍሉን ተቐቲሎም ኢሎምና ሰንቢድና።ቅያድ-ኣልዓማ እያ ቀታሊት።ድሕሪ እዚ መዓሾ እምባያ ረድ-ረድ ኢሉ ብፍርሒ ክመዉት ደልዩ።" ይብል። ድሕሪ እዚኣነ ኣጆኻ ኢለዮ። ምሳይ ከለኻ ዝትንክፈካ የለን ኣነ ከም ነብሰይ እየ ዝሓስበካ፣ ንዓይ እመን ኢለዮ።" ይብል።
ኣይዋ!!! ሕጂ እንታይ ኮይኑ እዩ መዓሾ እምባያን ፈሪሁ እንታይ ኮይኑ እዩ መሓመድ ብላታን ዘይፈርሐ፧ እሞ ድማ ክከላኸልን ዋሕስ ክኸዉንን ዘኽእል ዓቕሚ ዝነበሮ እንተዳኣ ኢልና፧እቲ መልሲ ኣብ እታ ሃይማኖታዊ ፍልስፍና ንሶም ዝተጠቕሙላ እያ እንረኽባ።እንተዘየለ መሓመድ ብርሃን ብላታ ልዕሊ መዓሾ እምባየ ተባዕ ስለዝነበረ ኣይነበረን።
መዓሾ እምባያክርስትያን እየ እሞ ክቐትሉኒ እዮምኢሉ እዩ ዝፈርህ ኔሩ። መሓመድ ብላታ ግን እንታይ ኮይኑ እሞ ክፈርህ፧ እዚ ኣብ Youtube ኣብ ቲቪ ድምጺ ህዝቢ ናይ ዕለት 9 ለካቲት 2013 ኣለኩም።
መዓሾ እምባየ ማለት ደሓር ድሕሪ ካብ ተሓኤ ምፍንጫሉ ብወገን የመን ምስ ዝኣተወት ወገን ናይ ህዝባዊ ሓይልታት ዝነበረ እዩ። ዝኾነ ኮይኑ መቸም ሹዑ ግዜሉኡኻት ናይ ሃይለስላሴእና ነቶም ደቂ ከበሳ ዝገደፉሎም የብሎምን።
ነቶም መስረቲ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ናይ ካይሮ ኣይረሳዕናዮምን። እቶም ኣብ ግብጺ ዝተኣኻኸቡ ሰባት፣ ናቶም ዉሽጣዊ ሃይማኖታዊ ዝንባለን ፖሎቲካዊን ክልሰ-ሓሳባዉን መረዳእቶኦም ብዘየገድስ፣ ዝተጠቕሙሉ መንገዲ ግን ሃይማኖታዊ እዩ ዝነበረ። እስላማዊ መንነት ንምስራሕ ድማ እዮም ቶጋዩዮም።
እዚ ድማ ኣብ ክልተ ነገራት ኣጠቓሊለ ክርእዮ እየ።
ሓደ ኣብ እቲ ፈላማ ዝተጠቕሙሉ ኣገባብ ርክብ(communication)) እቲ ካልኣይ ድማ ቋንቋ ዓረብ ከም ሃይማኖታዊ ጠማሪ ሮቛሒ ምቕራብ እዩ።
እታ ቶኹሲ እድሪስ ዓዋተ ክመርሖ ኣለዎ እትብል ትእዛዝ ንኣብነት ብደብዳበ ብመንገዲ እቶም ኣብ ሱዳን ሃይማኖት እስልምና (ኸልዋ) ዝመሃሩ ዝነበሩ እያ ናብ ኤርትራ ኣትያ እዚ ድማ ነቲ ሃይማኖታዊ መንነት ንምልባስ ዝግበር ንዝነበረ ኣገባብ ንኸራጉደሎም ተባሂሉ እዩ። ጽኑዕ ድጋፍ ካብቶም ተመሃሮ ንሙውሓስዉን ዝዓለመ ኔሩ።
ቋንቋ ዓረብ ድማ ሓደ ካብቲ መሰረታዊ ጠማሪ ሮቓሒ(uniting factor) ዝበልክዎ እምበኣር ኣብዚ እዩ ዝመጽእ። እቲ ሃይማኖታዊ መንነት ክምስረት እንተዳኣ ኮይኑ ቁንቋ ዓረብ ኣብ ቅድሚት ክስራዕ ኣለዎ።ዓሌት ቀቢላ እንዳ፣ ወላ ብሄር ዝበሃል ክለዓል የብሉንዝብል ፍልስፍና እዮም ኣምጺኦም።
ንስኻ ቢንዓምር፣ ንስኻ ኣስገደ፣ ንስኻ ማርያ ወዘተ……ገለ ዝበሃል ክተርፍ፣ እንታይ -ድኣኩሉኹም ከም ኣመንቲ ሓንቲ እምነት መሰረት፣ በዚኣ ቁንቋ እዚኣ ተጠመሩክብሉ ድማ ግድን ነበረ። ስለዚ ነቶም ትግራይት ወይ ትግረ እንድዩ ቋንቋ ኦም ንምንታይ ዓረብ ይጠልቡ ኔሮም፧ዝብል ሕቶ እትሓቱኒ ዝነበርኩም፣ ከፊላዊ መልሲ ረኺብኩም ክትኮኑ ተስፋ ይገበር።
እዚ ኣተሓሳስባ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣሎ። ከመይ ንዝብል ሓታቲ፦ እተን ተረፍ ናይ ጀብሃ ዝሓቖፋ እሞ ሃይማኖታዉን ሓዉሲ ሃይማኖታዉን ጥርናፈ ዘለወን ተቓወምቲ ውዱባት። ከሙኡዉን ናይ ግብጺ ደገፍ ዘይፍለየን ገለ ካልኦት ዉድባትን ኣንጻር ብሄራዊ ሕቶ ኣልዒለን ዝቃለሳ ዉዱባት፣ ከም ኩናማ፣ ሳሆ፣ ዓፋር፣ ወዘተ፣ ተሪር ተቓዉሞ ኣለወም። እዚ ድማ፣ ኣብ ኤርትራ ብሄራዊ ምግምማዕ ንኸይመጽእ ስለዝሰጉኡ ዘይኮነስ እንታይ ድኣ፣ ነቲ ሃይማኖት ዝሰረቱ መንነት ስለዝጻባእ እዩ። ንስኻ ሳሆ ንስኻ ዓፋር፣ ንስኻ ኩናማ ኢልካ እንድሕር ከም ብሄር ሕቶታት ኣልዒልካ፣ ነቲ ንሶም ዝጠልብዎ ሃይማኖታዊ መንነት ዝሕላገቱ ዕላማ ኣይትላበሶን ኣለኻ ማለት እዩ። ስለዚ ድጋፍ ይስእኑ። እዚ ንኸይመጽእ ካኣ ነተን ብሄራዊ ሕቶ ዘልዕላ ዉዱባት ይጻብእወን።
እዚ ሃይማኖታዊ መንነት ዝብለኩም ዘለኹ፣ ክሳብ ሕጂ ወላ እቶም ኣብ ደንበ ተቓዉሞ ዘለዉ እሞ ድጋፍ ናይ ግብጺ ዘይተፈልዮም ደቂ መታሕት ክንዉክል ኢሎም ዉዱባት ዘቖሙ የንጸባርቕዎ እዮም።
ንዝያዳ ሓበሬታ ናይ ዉዱብ ኩናማ መራሒ ቀርነልዮስ ዑስማን ምስ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ማህደረ ዝገበሮ ቃለመጠየቕ http://unitedvoicesmedia.com/2014-10-04-04-46-32.html ከተንብቡ ትኽእሉ ኢኹም።
**************************
ዝተረፈ ኣብ ዝመጽእ 3 ክፋል ኣሕፍስ ኣቢልና ክንምልኦ ኢና።

ምንም አስተያየቶች የሉም:

አስተያየት ይለጥፉ