2016 ኦክቶበር 22, ቅዳሜ

(1ይ ክፋል) .... ደቂ መታሕት ኤርትራ፣ ብታሪኽ ዝሕበንሉ 'ብረታዊ ቃልሲ' ድዮም ጀሚሮም ወይስ ብታሪኽ ዝሕተቱሉ፧

ሓደ ቢን-ዓምረታይ እዩ ድሕሪ 1991 መሬት ደሓን ምስ ኮነ ዘወር ክብልን ገለ ንግዲ ክፍትንን ናብ ኣዲስ-ኣበባ ኣትዩ። ኣዲስ ኣበባ መዓር ኮይና እዩ ረኺብዋ። ወዮ ቢን-ዓሚረታይ ካብ እንዳ ኹትፎ ናብ እንዳ ቡና-ቤት ካብ ቡና-ቤት ናብ እንዳ-ባር ካብ ባር ናብ ሆቴል እናለ ፊዕ ክብል ንግዱ ክርስዕ ኢሉ ኔሩ እዩ።
ሓደ እዋን ድማ፣ ሓንቲ ለንጂ ዝኾነት ጓል ወሎ ዓሪኹ ወላ ነቲ ናብ ኤርትራ ምምላስ ዝበሃል ሓሳብዉን ጠቕሊሉ ከዋድቖ ኢሉ ነበረ። ድሕሪ እዚ መቸም ዘይከዉን ኮይንዎ ምምላስ ስለዘርከበ ሓዉሲ ክደፋነቕ ኢሉ ነበረ። ናይ መምለሲ ግብጃ ምስ ጓል ወሎ እናጨረመ ከሎ ካኣ ዘረባ ኣሙሊቑ- "ረቢ ልትሓሰበካ ዓዋተ" ትብል። ………."ረቢ ልትሓሰበካ ዓዋተ" …..እና ድማ ሙሉእ ምሸት ክደጋግማ ሓደረ።
ንጽባሒቱዉን ናብ ኤርትራ እናተመልሰ፣ ነዛረቢ ልትሓሰበካ ዓዋተእትብል ሓረግ ይደጋግም ነበረ።ዓዋተስ ናይ ኢድካ ዳኣ ኣይትስኣን ካብዞም ጥዑማት ህዝቢ እዚኦም ክትፈላልየና እኩይ ዕላማ ዘበገስካ።’…… ንምባል እዩ ነዛ ሓረግ ክደጋግም እምስዩን ዝቕጽል ዘሎን። እቲ ኩሉ ሽሻይን ፍሽኽታን ኣዲስ ኣበባ በዚ ዓይኑ እናተቐጀሎ ማለትእዩ።
ቢን-ዓሚረታይ ነቲ ዝዕለል እዩ ደጊሙ እምበር ዓዋተ ግዳ ሓሻኪ ኣበይ ኢልዎ እቶም ኣብ ግብጺ ኮይኖም ዘጀበስዎ እዮም ቀንዲ ሰራማት። ዝኾነ-ኮይኑ ናብ ኣርእስትና ነብል።
************************
ኣብ ወርሒ 7 ናይ 1960 እስላም ጥራይ ዝሓቖፈት ጉጅለ፣ ካብ ካይሮ ምስረታ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣዉጃ። ዕላማኣ ድማ ብጎነጽ ተጠቒምካ ሃገር ምምስራት ኔሩ። ኣባላት እዛ ጉጅለ እዚኣ ንምጥቃስ ዝኣክል፣-
1) እድሪስ መሓመድ ኣድም(ኣቦ ወንበር)
2)
እድሪስ ግላዉዶዎስ(ዋና ጸሓፊ)
3)
ዕስማን ሳልሕ ሳበ።( ኣብ ሕርጊጎ ተማሂሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ትምህርቲ ዝወደአ- ወጻኢ ጉዳያት)
4)
መሓመድ ሳልሕ ሑመድ
5)
ዕስማን ኢብራሂም በሽር
6)
ስዒድ ሑሰን
7)
ኣድም መሓመድ ዓሊ
8)
ሱለማን ሙሳ ሓጅ
9)
ኢብራሂም ኢድሪስ ኣሕመድ……
ነበሩ።
ድሕሪ እዚ፣ እዛ ኣብ ካይሮ ዝተመስረተት ናይ ሽበራ ጉጅለ፣ ንርእሳ ደም ክጽየቑ ብዘይደልዩ ወገናት ቆይማ ስለዝነበረት፣መን እሞ ነዛ ብረት ይቶኩሳዝብል ሕቶ ኣለዓዒላ። ፍታሕ ድማ ብቐሊሉ መጸላ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ መታሕት ዝነበረ ናይ ሽፍትነት ኩነታት ብምምዝማዝ፣ ካብቶም ሸፋቱ ንዕላማኣ ከተግብሩ ዝኽእሉ ሃሳዉ ኣብ ምባል ኣትያ። ንዓኣ ዝመስል፣ ማለት ብሃይማኖትን ብከባብን ብምምዝዛን ካኣ፣ እቲ ኣብ መታሕት ግኑን ናይ ሽፍትነት ዝና ዝነበሮን፣ ንከባቢታት ጋሽ ዘሰንኮረን ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ቀዳማይ ምርጫኣ ኮነ።
ኣይወዓለን ኣይሓደረን ዓዋተ ድማ፣ //ከምቲ ንሶም ዘዘንትዉዎ// ከምቲ ልማዱ ብረት ቶኪሱ። ካብ ምቱኳስ እኳ ዓዲ ዉዒሉ ኣይፈልጥን እዩ-ቅድሚኡ ውን፣ ግና ሓንቲ ካብተን ዝተኮሰን ጥይታትንብረታዊ ቃልሲ ቀዳመይቲክብሉ ሰምዮማ። እቲ ፈለማ ሓላፍነት ወሲዱ ነቲ ዉሳነ ብረት ብምልዓል ዝጀምሮ ዕሉል ሽፍታ እምበኣር ዓዋተ ነበረ።
እዚ ሽፍታ እዚ ናይ ፖሊስ ኖቕጣታት ብምጥቃዕ እዩ ሽበራኡ ጀሚሩ። ኣብቲ ሹዑ ግዜ ዓጢቕዎ ዝነበረ ብረት፣ ካብ ሶርያ ዝተረኽበ ኮይኑ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ብጾቱ መብዝሕትኦም ኣብ ሰራዊት ሱዳን ወታሃደራዊ ታዕሊም ዝወሰዱ እዮም ኔሮም። ከም ሳዕቤኑ ድማ እቲ ኣዝዩ ነዊሕን ኣህላቕን ኲናት 30 ዓመታት ስዒቡ።
ድሕሪ እዚ ኣብ ኤርትራ ሽግር ክፍጠር ጀሚሩ። ነገራት ኣንፈቶም ቀይሮም። ደቂ-ከበሳ ኤርትራ ድማ ንጉስና - ማለት ንጉስ ሃይለስላሴ- ተደፊሩ ብምባል ኣንጻር ዓዋተን ደቂ መታሕትን ምስ ኩማንድስ ከቲቶም። እዚ ዘይብሃል ብርሰት ድማ ስዒቡ።
ሕቶና እምበኣር -
ደቂ መታሕት እንታይ ምስ-ሓበጦም እዮም ኩናት ጀሚሮም፧ ብምባል እዩ ክጅምር። ምኽንያቱ ከምዚ ኢሉ ንዝሓትት ለባም ሓታታይ መልሲ ክንቅርብ ግድን ስለዝኸዉን። እቲ ዝቐለለ መልሲ እኳ ጽጋብ ሸንዲሕዎም እዩ ክኸዉን።
ደቆም ተገፊፎም ንሳዋ ኣይተወስዱን። ብሓፈሹኡ ግዱድ ዕስክርና ከምዚ ናይ ዘመነ ኢሰያስ ኣይነበረን።
ስራሕ - ንግዲ እምበረ-መጠን ብሰላም እዩ ዝካየድ ዝነበረ። "ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ" እዩ ዝነበረ። ዓይንኻ ትደፈን ዝብል ኣካል ኣይነበረን።
ሰበኽ ሳግማዊ ሂወት ደቂ መታሕት ድማ ዝተንከፎ ኣይነበሮን።
ሃይማኖትዉን ካብ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ እስልምና ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ እስልምና ዝሓሸ ናይ እምነት ባይታ ኔርዎም።
ትምህርቲዉንብዓቕሚ ናይ እቲ ግዜ እቲ፣ ደቆም ማዕረ ደቂ ከበሳ ኤርትራ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ይፍቀደሎም ኔሩ። ከንደይ ካብዞም ኣንጻር ጃንሆይ ዝተላዕሉ ደቂ መታሕት እኳ፣ ጃንሆይ ብዝፈጠረሎም ዕድል እዮም ካብ ምጉሳይ ኣጣል ናብ ሓድሽ ኣበባ ከይዶም ዲግሪ ሰቒሎም ዘየለ ሓሶት ክነዝሑ ዕድል ረኺቦም። ክሳብ ለይተ ሎሚዉን 'ዓዋተ' ብዝብል መርበብ ሓበረታ ጌሮም እዉን ኣየዕረፉን ዘለዉ።
እሞ ኣንታይ ኴንና ኢሎም ዳኣ ኲናት ኣበገሱ፧
"ቋንቋና ዓረብ ተኸልኪልና " እዮም ዝብሉ። ግርም ሕቶ ቋንቋ ሕቶ መሰል እዩ። ግን ክሳብ ክንድዚ ሂወት ከኽፍልን ሃገር ክትበርስን ክኸይድ ኔርዎ ድዩ፧ ንዝብል ሕቶ ግን ፣እቲ መልሲ ዓቢ ኣይፋል እዩ።
ስለምንታይ ድኣ ክሳብ ክንድዚ ኣንፈቱ ስሒቱ ንዝብል ሕቶ ካኣ፣ በዓንደ ርእሱ እቲ ዕላማ ሃገራዊ ሕቶ ዘለዓዓሎ ስለዘይነበረ ጥራይ እዩ እቲ ሓጺር መልሲ።
2 ክፋል ብርግጽ ክቕጽል እዩ......

ምንም አስተያየቶች የሉም:

አስተያየት ይለጥፉ