2016 ኦክቶበር 22, ቅዳሜ

(4ይ ክፋል) ... ደቂ መታሕት ኤርትራ፣ ብታሪኽ ዝሕበንሉ ብረታዊ ቃልሲ ድዮም ጀሚሮም ወይስ ብታሪኽ ዝሕተቱሉ፧

ካልእ ሕክያ ሓሲበ መጽየስ፡ ኣብ ኣፉን ዕርበቱን ግን፡ ነዛ ናይ ደሳለ ከም መእተዊ ክጥቀም ኢለ።
ኣብ ጀብሃ - ካብ ታዕሊም፡እንተብህ፤ እስታዕድ!! እስተርሕእናበልካ ካብ ታዕሊም ክሳብ ኩሉኣማውርብቛንቋ ዓረብ እዩ ዝነበረ።ይብል ደሳለ በረኸት።
ኣንታ ደሳለ !! ናይ ለኣኽቶም ዓረብ ቋንቋ ክጥቀሙ እዮም እምበር እዚ ዳኣ ግጥም እንድዩ። ናይ ቤተ-ክህነት ግእዝ ዳኣ ክጥቀሙ ኢልካዮም፧
እዚኣ ናይ ኣኽር ክገብራ ደልየስ፣ ጥዑም-ጥዑም ካኣ ጢዒሙኒ እቲ ኣርእስቲ ደሓን ! ድሕሪ እዚኣ ገለ ክፋል እሞ ክንዉስኽ፣ ድሕሪኡ ናብ ካልእ ኣርእስቲ ከነቕንዕ ኢና።
*************************************
ኣብ ምጅማር ኲናት ኣብ መታሕት ኤርትራ ሓንቲ ካብቲ ዛንታ ተፈልያ ዘይትቐርብ ትሕዝቶ ኣላ። ንሳ ድማ እታ ናይ መጀመርያ ጥይት ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ኣብጎቦ ኣዳልከምዝተተኮሰት እትገልጽ እያ። ደሳለ በረኸት ከምዝበሎ እንተዳኣ ኮይኑ ኣብ መሬት ኤርትራ ጎቦ ኣዳል ዝበሃል ቦታ ከምዘየለ እዩ።ደሳለ ድማ ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ሓቲቱ ከምዘረጋገጸ እዩ ዝዛረብ።
እዛጎቦ ኣዳልትበሃል ዘላ ቦታ ኣብ መሬት ኤርትራ ካብ ዘይሃለወት ድኣ ካበይ ኣቢላ መጸት፧ ንምንታይ ኣዳልክኸዉን ስማ ተመርጸ፧ ክንብል ናይ ግድን ይኸዉን።
ኣሕመድ ግራኝ ይበሃል ሓደ እዋን ኣብ ሃረር ነጊሱ ዝነበረ ጨቃን ንጉስ። እዚ ንጉስ እዚ ብኣረመናዊ ተግባራቲ ክሳብ ሕጂ ንኣስታት 500 ዓመታት እናተዘከረ ዝነብር ዘሎ እዩ። ዕላሙኡ ድማ ጂሃድ ኣለዓዒሊካ ክርስትና ካብ ገጽ ምድሪ ሓበሻ ምጥፋእ ነበረ።
እዚ ንጉስ እዚ ቤተክርስትያናትን ኣድባራትን እናደማሰሰ ንከበሳታት ኤርትራ ናብ ሓማሴን ከይተረፈ በጺሑ ከምዝነበረ ይዝንቶ። ኣሕመድ ግራኝ እምበኣር ንጉስ ናይ ኣዳል ተባሂሉዉን ይጽዋዕ ኔሩ እዩ።ኣዳልእምበኣር ኣብዚ ኢና ኣንረኽባ። ንጉስ ኣዳል ካብ ምድረ ሃረር ተበጊሱ ናብ ከበሳታት ኤርትራ ካብ ኣስፋሕፈሐ፣ ዓረባዉያን ድማ ካልኣይ ንግስነት ኣዳል ካብጎቦ ኣዳልክብገሰሎም ካብ ምትምናይ ተላዒሎም ክኾኑ ነታ ዓዋተ ዝቶኮሳ ጥይት ዝብልዋ ካብ ኣብ መሬት ኤርትራ ዘየላጎቦ ኣዳልቶቶኪሳ ዝበሉና።
ኣዳል ኣላ ኣብ መሬት ባርካኢልኩም ንእትካትዑ 'ዉን፣ ሃልያ ኣይሃልያ ዝቕየር ኣይክህልዎን እዩ። እቲ ራኢ ከምታ ምስፍሕፋሕ ናይ ንጉስ ግርኝ ካብ ኣዳል ጽቡቕ ዝሰጎሞት ዳግማይ ምስፍሕፋሕ ካብ መሬት ባርካ ጽቡቕ ከተስፋሕፍሓሎም ብምባል እዮም 'ኣዳል ፈላሚት ጥይት ዝተተኮሰላ' ዝብሉ። ማለት ዓዋተ ጥይት ካብ ምቱካስ ኣዕሪፉ ኣይፈልጥን እንድዩ ዝነበረ፣ ተኾነ ግን ካብ ሞጎራይብዉን ክብሉ ይኽእሉ ኔሮም እንድዮም፧
እቲ ዕላማ ኣዳል ናይ ኣሕመድ ግራኝ ልክዕ ካብ መታሕት ኤርትራ ክትፍልፍለሎም ተሓሲቡ የኣይ።!! ግብጻዉያን ካኣ ንሃረር ገዚኦማ ኔሮም እንድዮም፣ እዛ ኣዳል ትቐድወና እያ ካብ ዝብል እምንቶ እዩ።ሓቂ ትሓይሽ ዳርጋ ተዓዊቶም እኳ እዮም ምዑዋት- ምኽንያቱ ልክዕ ከም መሓመድ ግራኝ ኣድባራትን ቤተክርስትያናትን ዝደፍር ዘሎ ንጉስ ሓድጊ ጀብሃ ተኸቲሉ ዝነገሰ ኢሰያስ ኣፍርዮም እዮም።
ኢሰያስ ድማ መዓት ኣሕመድ ግራኝ' ሰሪሑ፣ ተልእኾኡ ይይፍጽም ኣሎ። እዚ ሙስጠፋ ኑር-ሑሴን ዲኹም ትብልዎ፧ ንኣብነት- ካብ ገዳም ኣቡነ ደብረ ሞርቆሬዎስ ጥራይ ኣብ 2005 ከባቢ 70 ናይ መጽሓፍ ቁዱስ ተመሃሮ ዲያቆናት ክግፈፉ ጌሩ እዩ - ካብ ዉሽጢ ገዳም። እዚ ሕጂ ካብ ኣሕመድ ቢን ኢብራሂም ግራኝ ሓሊፍና እንታይ ክንብሎ ንኽእል ትብሉ፧ ተልእኹኡ - ማለት ተልእኾ ገድሊ ድማ እዩ ዝፍጽም ኔሩ።
********************
ምድሪ ኤዮጵያ ወይ ኣቢሰንያ ክንብል ከለና መቸም እቲ 20 ዘበናት መንነቱን እምነቱን ተንከባኺቡ ብዛዕባ ናይ ዝነበር ዘሎ ክፋል ዓለም ንዛረብ ከምዘለና ምርዳእ የድሊ።
ኢትዮጵያ ክንብል ከለና እታ ኣብ ቁዱሳን መጻሕፍቲ ኣብ ግብረ ሃዋርያት 727:28 ተጠቒሳ ዘላ ህንደኬ እናዘከርና ኢና።
በዓቢኡ ካኣ ድሕሪ መጽሓፍ ቁዱስ 70 ሊቃናት ዝበሃሉ ካብ ቋንቋ ኢብራይስጥ ናብ ቁንቋ ግሪኽ ኣብ ዝቶርጎሙሉ ግዜ፣ ነቲኹሽዝብል ቃል፣ ናብኢትዮጵስዝቐየርዎ እናዘከርና ኢና።
እዚ ስቕ ኢልካ ባዕዳዊ ወራሪ ጥልያን ዝጨራርሖ ቅንጫል ወዲ ቁንጫል ከምኡ ካኣ ነቲ ዝጸንሐ ናይ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መን ይዕብልል ህልኽ፣ ኣብ ኩሩምቱ ነኺሱ ናይ ዝጸንሐ ግብጻዊ ሓይሊ ዝመስርሖ ዛንታ ተቐቢሉ፣ ብረት ናይ ዘልዓለ ወገን ዛንታ ኣይኮናን ንዛረብ ዘለና።
ኣብ ኣፍሪቃ ብዘይካ ግብጽን ኢትዮጵያን ከም ፖሎቲካዊ ኢንቲቲ(Political entity ) ንዘበናት ኣፍልጦ ዝነበሮ ክፋል ኣፍሪቃ ብዙሕ የለን። ኢትዮጵያ ክብል ከለኹ እዛ ጥልያን ዝጨርሓ ኤርትራ ኣዉጼአ ኣይኮንኩን። ኣካላ ኢና።!!
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ንዘበናት ብጉዳይ ፈለግ ናይል ዘይምርድዳእ ጸኒሑን ኣሎን። እዚ ዘይምርድዳእ እዚ ንፖሎቲካ ዞባና ኩሉ ግዜ ጸላዊን ቀንድን እዩ።ካብ ንጉስ ዛግወ - ላሊ-በላ //እዚ ዝተሰነደ ጥራይ እዩ// ጀሚርካ መራሕቲ ኢትዮጵያ ንኣባይ ክግድቡ ምስ ሓለኑ እዮም። እንተኾነ ምስ ግብጺ ብዝለዓል ዝነበረ ምስሕሓባትን ምር ድዳእን ክሳብ ለይተ ሎሚ ኣይተገብረን። ሕጂ ግን እናተተግበረ እዩ።
መሰረት ግጭት ግብጽን ኢትዮጵያን እምበኣር ካብዚ እዩ ዝብገስ። 2 ግዜ እኳ ራእሲ ኣሉላ ምስ ደቂ-መረብ ምላሽ ሓቢሩ ንግብጻዉያን ወረርቲ፣ ኣብ መሬት እዚ ናይ ሎሚ ኤርትራ ሓመድ ኣስሒንዎም ኔሩ እዩ። ኣብ ጉንደትን(1875) ኣብ ጉራዕን(1876) ከም ዉጺኢቱ 'ዉን ንጉስ እስማዒል ኣብ ግብጺ ተሳዒሩ።እዚጅግናእትብልዎ ዘይፍትሓዊ ራእሲ ወልደንኪኤል ሶሎሞን እኳ ሓደ እዋን ምስ ግብጺ ወጊኑ ኣሕዋቱ ኣግዲዑ ኔሩ እዩ። ብዛዕባ ራእሲ ወልደንኪኤል እኳ ሓደ መዓልቲ ክንውዕለሉ ኢና። እቲ ተሰሪሕሉ ዘሎ ታሪኻዊ ምይት(myth) ብህሎ ክንብርብሮ ኢና።
መራሒ ግብጺ ነበር ጀማል ዓብደልናስር ኣብ ትሕቲ ዓረባዊ ሃገራዉነት ሓያልን ሕብርትን ዓረባዊት ግብጺ ክምስርት ህርድግ ይብል ነበረ። እዚ ድማ ክሳብ ንታሕቲ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝጠመተ ነበረ። እንተኾነ ግን ሱዳን ኣብ ትሕቲ እንግሊዝ ብምንባራ ይጽግሞ ነበረ። ካብ እቲ ሓሳብ ግን ፍንትት ኢሉ ኣይፈልጥን ዝነበረ- ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ። እዚ ስለዝኾነ ድማ ካብ 1955 ጀሚሩ ኣንጻር ሃይለስላሴ፣ ኤርትራዊ ዞቡኡ ምስ ሃይለስላሴ ዘይተቓደወ ክኸትብ ጀመረ። ብፍላይ ንተወለድቲ ደቂ-ቢንዓምር።
ደቂ ቢን-ዓምር እንታይ ገበሩ
ኣብ ዝመጽእ 5 ክፋል ይቕጽል..........

ምንም አስተያየቶች የሉም:

አስተያየት ይለጥፉ