2016 ኦክቶበር 22, ቅዳሜ

(3ይ ክፋል) .... ደቂ መታሕት ኤርትራ፣ ብታሪኽ ዝሕበንሉ ብረታዊ ቃልሲ ድዮም ጀሚሮም ወይስ ብታሪኽ ዝሕተቱሉ፧

ሓደ- ነዚ ዝጽሕፎ ዘለኹ ዝቃወም ወዲ ኣሎ። ሕጂ እንታይ ዝብል ጽሒፉ " መራሕቲ ጀብሃ ንኣብነት ኣሕመድ ናስር፣ ኣብ በዓል ሶርያን ዒራቕን ወተሃደራዊ ትምህርቲ ወሲዱ ወርቂ ሽጉጥ ተሸሊሙ እዩ 'ተጋዲሉ' " ገለ ኢሉ ጽሒፉለይ።ኣሕመድ ናስር ማለት ኣባል ጀብሃ ኮይኑ ክሳብ ንጀብሃዉን መሪሕዋ ኔሩ እዩ። ሕጂ ረቢ ልርሓሙ ናብ ዓዲ ኹላህና ገይሹ እዩ።
ስምዓኒ እንዶ !! ሽፋቱ ዳኣ 'ወርቂ ሽጉጥ' ክሽለሙ እዮም እምበር እንታይ ድኣ ደሊኻ ሽልማት ኖቤል ናይ ሰላም ዳኣ ክሽለሙ ደሊኻዮም፧
ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ይብሉ እቶም ኣመላኻዕቲ ታሪኽ ሽፍትነት፣- " ነዛ ሎሚ ዝዉልዓ ዘለኹ ቁልዒ ሓዊ ዉሑዳት ንስሕና ኣለና፣ ጽባሕ ንግሆ ግን ኣሽሓት ክስሕንዋ እዮም ኢሉ እዩ ብረታዊ ቃልሲ ጀሚሩይብሉ። ቁልዒ ዳኣ ኮይና ተሰሚዓቶም እምበር፣ ህዝብን ሃገርን ዘብርስ እሳተ-ጎሞራ ከምዝወለዐ ድሒሩ እዩ በሪሁ።
ኣብ 1947 ቅድሚ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ምሕባራ ኣብ ዝነበረ ኩነታት እተን 4 ሓያላን ሃገራት ምስ ኢጣልያ ሓዊስካ፣መጻኢ ኤርትራኣብ ዝብል ኣርእስቲ፣ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ምስምማዕ ስኢነን። ስለዚ ድማ ጉዳይ ኤርትራ ናብ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ክሓላፍ ብሓባር ወሰና።
ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ኮምሽን ናብ ኤርትራ ብምልኣኽ ነቲ ኩነታት ከተጽንዖ ሓላፍነት ሃባ። እዛ ኮምሽን ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ኣብ እተካይደሉ ዝነበረት ነብሲ-ወከፍ ግዜ ኣስመራ ብሰለማዊ ሰልፍታት ተዕለቕልቕ ኔራ።
ኣብቲ እዋን እቲ ድማ እቶም ክርስትያንመንነትና እተዉሕሰልና ኢትዮጵያ ጥራይ እያ ተዋጽኣና! ብምባል ኣብ ትሕቲ ማሕበር ሕብረት ሓቢሮም.... "ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ" .....ክብሉ ይጭድሩ ነበሩ። እቶም እስልምና ብፍላይ ድማ ደቂ ምዕራባዊ መታሕት፣ "እስላማዊ ክንፊ " ዝብል ታቤላታት ብምልዓል ደገፍ ሃገራት ዓረብ ከይንፈጎም ብምሕላን ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ጭርሖታቶም የስምዑ ነበሩ።
ኣብ መወዳእታ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ማእከላዊ መርገጺ ዝበሎ፣ ማለት ንኽሊቲኡ ወገን የዕግብ እዩ ዝበሎ ፈደረሽን ክኸዉን 46 ድምጺ ኣንጻር 10 ድምጺ ወሲኑ 4 ሃገራት ድማ ድምጸን ዓቂበን። ፈደረሽን ጸዲቑ ድማ ኣብ መስከረም 12 1952 ንጉስ ሃይለስላሴ ብኣሽሓት ሻሽ ዝመስል ጻዕዳ ክዳን ሓበሻ ብዝለበሱ ህዝቢ ተዓጂቡ፣ ነታ ኣብ መረብ ዝነበረት ሪቦን(ናይ መመረቕታ ጨርቂ ) ቆሪጽዋ፣ መሬት ድማ ዉልዕ-ዉልዕ ኮይኑ - ብርሃን ኮይኑ በቃ።
ድሒሩ ዝሰዓበ ኩነታት ዳኣ ካብ ምንታይ መንጨወ፧ ጀብሃ ስለምንታይ ተመስረተ፧
ድሮ ተናኺፍናዮ ከምዘለና ዓረባዊ መንነት ኣብ መሬት ኤርትራ ክስራሕ ተወሲኑ ኣሎ። እዚ ድማ ብሓይሊ ብረት ጥራይ እዩ ክረጋግጽ ዝኽእል ተባህለ። ……ኮነ ድማ።
መሬት ኤርትራ !! መዕረፊን መፈተንን ኣብ ሕብረት ሶቬት ዝተሰርሐ እሞ ንሃገራት ዓረብ ዝተሸጠ ጸረ-ወድሰብ ዝኾኑ ቦምባታት ንኽኸዉን፣ እቲ መስኪን ኤርትራዊ ናይ መሰል ሕቶ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ዘልዕል ዝነበረ ኣይኮነን ወሲንዎ መን ዳኣ፧ እቶም ኣብ ግብጺ ዓስኪሮም ተረባሕቲ ኣቕራሽ ዓረብ ዝኾኑ እኒ በዓል ሳልሕ ሳበ እዩ ሹሻ እናሰሓቡ ተወሲኑ።
ድሕሪ እዚ ድማ ኣጽዋራት ብዘይ ዕረፍቲ ክጓረት ጀሚሩ። ጀብሃ ድማ ካብ ኣልጀርያ ክሳብ ፓኪስታን፣ ዓረብ ዘቡኡን እስልምና ዝእምነቱን፣ እናረኸበት እዚ ቃልሲ ቋልስኹም እዩ ክትብል ጀመረት።እስላም ተወጺዖም ኣለዉክትብል ድማ ድጋፍ ንምርካብ ጎስጎሰት።
ሃገራት ዓረብ ድማ ብመንገዲ እተን ዘየዕርፋ ረድዮታቶም ጌሮም፣ ቃልሲ ኣንጻር እታ 'ክርስትያናዊት ሃገር ኢትዮጵያን' ኣንጻር እታ 'ጽዮናዊት እስራኤልን' ከምዝተጀመረ የቃልሓ ነበራ። ነቲ እስራኤል ፖሊስ ንምስልጣን ንኢትዮጵያ ዝሃበቶ ሓገዝ ብምጥቃስ ድማ፣ ጽዮናዊ ዝምድናታት ኣንጻር ሃገራት ዓረብ ኣብ ዉሽጢ መሬት ኤርትራ የስፋሕፍሕ ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ ሃገራት ዓረብ ክቃለሳሉ ጎስጎሳ።
ወተሃደራት ጀብሃ ድማ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ዘየቋርጽ ናይ ወተሃደራዊ- ማለት ደባይ ተዋጋኢን- ናይ ፈዳይን ኮርሳት ክወስዱ ጀመሩ። ሃገራት ዓረብ ድማ ንሸፋቱ ጀብሃ ልክዕ ከም ፍሊስጠማዉያን ፈዳይን - //ማለት ኣንጻር እስራኤል ዝዋግኡ ዝነበሩ//- ጌረን ከምዝሓስቦኦም ኣመስኪረናሎም። ንህዝቢ ኤርትራ ዘድሚ ኣጽዋራት ድማ ብቐጻሊ ናብ መሬት ኤርትራ ክዉሕዝ ገበራ።
እዞም ኣብ ከተማታት ኤርትራ ንጹሃን ዜጋታት ብምርሻን ዘየቋርጽ ግብረሽበራዊ ስራሓት ዝገብሩ ዝነበሩ ፈዳይን ጀብሃ እምባኣር፣ ነቲ እከይ ስራሕ ኣብኡ እዮም ቀሲሞሞ መጺኦም። ገለ ካብዞኦም ኣሸበርቲ ብዛዕባ እቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ግብረ-ሽበራዊ ስራሕ ኣብ 'ራድዪ ናዝ' እትበሃል ዝዘርዘርዎ ኣሎ ከትከታተልዎ ትኽእሉ ኢኹም።
ዑስማን ሳልሕ ሳበ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ጽዑቕ ጎስጓስ ተጸሚዱ ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ምስ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ኣብ ዝገብሮ ዝነበረ ቃለ-መጠየቕ ንምምስራት ናጻን ሓቀኛን ዓረባዊት ኤርትራን ንቀይሕ ባሕሪዓረባዊ ቀላይንምግባሩን ተወፍዩ ምህላዉ ይጠቅስ ነበረ።
እዚ እቲ ዘይነግሩና ዕላማኦም እዩ።ቃልሲሃገራዊ ምንባሩ ንኸእምኑና ብሃገራዊ ቃላት ክኾሓሕልዎ ኔርዎም። ነቲ ሓደ-ሓደ ናይ መስል ሕቶ ድማ ነፋፊሖም-ነፋፊሖም ኣብ ኤርትራ ዘይነበረ ግፍዒ ከምዝነበረ ኣምሲሎም ንሽፍትነቶም ሕጋዉነት ከላብስዎ እዮም ጽዒሮም።ነዚ ድማ ኢና እንቃለሶ ዘለና።
ነዚ ብምርዳእ እምባኣር እዩ ሓደ ካብቶም ለባማት ኣቦታትና ዝኾነ ቢተዎደድ ኣስፋሃ ወልደሚካኤል፣ ኩነታት ኤርትራ ደገኣዊ ረብሓትት ብፍላይ ናይ ግብጺ ረብሓ ይሓላልኾ ከምዝነበረ ብምግንዛብ ሓደ እዋን ከምዚ ኢሉ ነበረ። ……."ገመል ትጸሮ ኣድጊ ኣይትጸሮን" ....ስለዚ ድማ እዩ ካኣ ምስታ "ዓባይ ገመል ሰኸምና እተጻዉረና" ማለት ኢትዮጵያ ይሕሸና ክብል ዝወገነ።
ጌና ነብሶም ካብዚ ሽፍትነት ክሳብ ዘግልሉ ኣይክንፋርጎምን ኢና - ንደቂ መታሕት
*********************
 
ምንጪ ገለ ትብሉኒ ኣለኹም ምንጪ ከይቀረብኩ ኣይጽሕፍን 'የ። ኣብ መወዳእታ ክፋል ዝተተቕምኩሉ ናይ ሊርትረቸር ዝርዝር ከቕርበልኩም እየ። እንተኾነ ግን ንስኹም 'ዉን ኣብ ናይ ኮመንት ሳጹን ክትማጎቱ ከለኹም፣ ምንጪ ክሓተኩም እየ። ድምጺ ሓፋሽ ዝበለቶ ኣሚንኩም ኣብዚ ከይትደግምዎ ሓደራኹም።
4 ክፋል ይቕጽል....

ምንም አስተያየቶች የሉም:

አስተያየት ይለጥፉ