2016 ኦክቶበር 24, ሰኞ

The Legend #Abraham_Afewerki


The Legend #Abraham_Afewerki  @ Yemane Abadi

= ሓደራ = ደርፊ ኣብርሃም ኣፈወርቂ
እዛ ደርፊ ብኹለንተንኣ ኣዕግብ እተብለኒ ጥዕምቲ ደርፊ እያ።
ኣንታ እዚ ፈላላይ ልምዲታትና ክንደይ ፍቑራት ፋሕብትን ኣቢሉ ክንደይ ፍቑራት ደም ኣንቢዑ ሓሊፉን ኣሎን።
እስኪ እዘን ተለላ ግጥምታት ናይ ደርፊ ንርኣየን።
ኣብርሃም: ንሱ ኩለንትንኣ ፈትዩ እናሃለወ ናይ ሰብ ትሒም ትሒም ግን ኣብ ሱቕትኣ ክትጭነቕ ዝገበራ ነገር ከም ዘሎ ዘርእይ ግጥሚ እቲ ሰብ ንኽሓምዮም ዝገብር ምኽንያት ምስኣ ከም ዘሎ የርእየኒ።
[
ኣብ ሱቕታ ምጭናቕ ከመይ ከቢድ ዓቕሊ ፅበት ከም ዝፈጥርን ውሽጣዊ ሰላም ከም ዝኸልእን ንስሕቶ ኣይመስለንን]

<<
መልክዓ ማሪኹኒ ጠባያ መሲጡኒ ኣፍቂረያ
ሕሜት ሰብ ሰሚዓ ምስ ስቕታኣ ክትጭነቕ ሪኤያ
ባህሪኡ ብዙሕ' ናይ ወዲ ሰብ ነገር ገሪሙኒ
ኣነ 'ናፍቀርክዋስ ኣጉል ትሒም ካብኣ ክፈልየኒ >>

እቲ ናይ ትሒም ትሒም መንቀሊ ድማ ናይ ተፈጥሮ ፀግኣ ወይ ዘርኣ ምዃኑ ኣብርሃም ከምዚ ክብል መሊሱለይ።
<<
ናይ ተፈጥሮ ጸጋ' ብፈጣሪ ዝመጸ እምበር መን' ኣሎ ዘርኡ ዝመረጸ >>
[
ዘርኢ እንትንብል ዓሌት፣ሓረግ ትውልዳ ይመስለኒ ከምቲ ቐደም ባርያ፣ቡዳ፣ጠቢብ፣ጭዋ ወዘተ ዝበሃል ዝነበረ]
ኣብርሃም ውርድ ኢሉ ፅባቕኣ ይንእድ እሞ

<<
ትሕቲ ሽፋን እቲ ረቂቕ ባህላዊ ነጸላ
እትርከብ ብጠባይ መሰታ ዘይብላ
ዘምሕረላ ዘመናዊ ምስላ ኣዘውቲራ
መልክዐኛ' መን ክወዳደራ
ሓደ ኣካል ሓደ መንፈስ ጽቡቕ እንከለና
መን ይረብሕ 'ተተፋላለና
ገርሂ ልብኺ ሕሰም ናይ ሰብ ከይቅይራ
ከም ቀደምኪ ኩንለይ ሓደራ ሓደራ!>>

ብምባል ድማ ካብ ምፍልላዮም ዝርባሕ ሰብ እንተሎ ይሓትት።
ኣብርሃም ኣብዛ ሓንቲ ንፅል ደርፊ እዚኣ ክንደይ ስምዒት እዩ ገሊፁ?
1)ፈለማ ናይታ ቆልዓ ዘይፅቡቅ መንፈስ ክርዳእ ክኢሉ።
2)
ናይዚ መበገሲ ድማ ፈላላይ ልምድታትና ምዃን ገሊፁ።
3)
እዚ ፈላላያይ ልምዲ ድማ መሪፅካ ክትውለድ ከምዘይትክእል ኣስሚሩ ብምዝራብ ክፈላለይሉ ዝክእሉ መንገዲ ክኮን ከምዘይብሉ የብርህ።
ኣብርሃም እኮ ልበ ብርሃን እዩ ነይሩ።
ኣፅኒዑ ድማ ነታ ፍትውቱ

<<
ገርሂ ልብኺ ሕሰም ናይ ሰብ ከይቅይራ
ከም ቀደምኪ ኩንለይ ሓደራ ሓደራ >> ክብል ናብ ምሕፀንታ ይኣቱ።

ደቂ ሰባት ሱርና ሓደ እንተሎ ንሕና ግን ብሕማቕ ፈላላይ ልምዲታትን ባህልታትን ብሃይማኖትን ዓሌትን ኣራጃውነትን ነንርእስና እንትንተፋነን የሕዝን።
ከም ቀደምኪእትብል ሓረግ ምርኣያ ኣገዳሲ እዩ። ቀደም እቲ ቀደም እታ ቆልዓ ከምቲ ሎሚ ትሒምሒምትማ ምስ ሰምዐት ዘምፅኣቶ ባህሪ ኣይነበረትን።
ናብታ ፅርይቲ ማይ ሩባ ሓዱሽ ጎናዊ ውሕጅ መፅዩ እዩ ሓሬት ዝኸድና ዘሎ። እዚኣ ድማ ናይታ ፅርይቲ ማይ ፅሩይ ማይ ናይ ምፍልፋል ሓይሊ ኣገዳሲ ምዃኑ ትሕብር። ኣብርሃም ምስ ሓደርኡ እዩ ዝምሕፀና!
እዚ ሕማቕ ልምዲ ምስ ኣተዓባብያና እናተሓሓዝና ክንበትኮ ይኹን ክለቀና እኳ ዝኸብድ ይኹን እምበር
ኣብርሃም:

<<
በቲ ሓደ ናይ ወገነይ ባህሊ ከኽብር
በቲ ሓደ ዘይክኣል ፍቕራ ክጸወር
ሩሕ ናይ ልበይ ኣብ ፍቕራ ኣጥሒላቶ ንሳ
ብዘይ ብኣኣ ካብ ባሕሪ ከም ዝወጸ ዓሳ
ሓደ ኣካል ሓደ መንፈስ ጽቡቕ እንከለና
መን ይረብሕ 'ተተፋላለና
ገርሂ ልብኺ ሕሰም ናይ ሰብ ከይቅይራ
ከም ቀደምኪ ኩንለይ ሓደራ ሓደራ!
ከም ቀደምና ክንከውን ሓደራ ሓደራ
ከይንጣለም ሓደራ ሓደራ
ከም ቀደምኪ ኩንለይ ሓደራ ሓደራ! >>

ኣብዚ እታ #ስኢልዋ_ዘላ_ፅብቕትን #እቲ_ዘዕበዮ_ናይ_ወገኑ_ሕማቕ_ባህልን_ልምድን ኣብ ማእኽል ቀርቂሮሞ እኳ እንተሃለው ብናይ ፍቕሪ ዋልታ ክምክቶም ኢና ንሪኦ።
ካብ ዘለላታት ግጥሚ ኣብርሃም እማ ሓንቲ ንፅል መስመር ወሲድና ቀጀም ንበለላ።
መን ይረብሕ እንተተፈላለናእትብል ቃል ካብ ርክብ ክልተ ፍቑራት ዝዘለለ ትርጉም ዘላታ ይመስለኒ።
ኣብ መንጎ ሰባት ኣትዩ ሓዊ ዝደጉል ሰብ እንታይ እዩ ዝርባሕ? ሓደ ሰብ እኮ ይትረፍ ጎዲእኻዮ ጠቒምካዮ እውን ከም ዝጠቐምካዮ ክትርስዖ ትክእል ኢኻ።
ኣበይ ኮይንካ ኢኻ እሞ፣ መን ኮይንካ ኢኻ እሞ፣ ብከመይ ዓይነት መስርሕ ኢኻ እማ ካብ ምቅርሓን ክልተ ሰባት፣ ካብ ምፍልላይ ክልተ ፍቑራት፣ ካብ ምንቛር ክልተ ህዝብታት እትርብሖ ረብሓ እተራብሕ?
ሓንቲ ሓቂ ድማ መዚዝና ንውሰድ ብናይ ፍቕሪ ዋልታ ንሕማቕ ባህልን ልምድን ክንምክት ድማ ይምህረና እዚ መምህር ከምዚ ክብል:

<<
እስኪ ብዝፈትዎም እስኪ ብዘፍቅሮም ክግምቶ
ፈላላዪ ልምዲ ብናይ ፍቕሪ ዋልታ ክምክቶ
ኣውራጃ ይኹን ዘርኢ ወይ ባህላዊ ፍልልይ ናይ እምነት
ኣይክዓግተንን' እንካብ ንጹህ ፍቕሪ ካብ ዕርክነት >>
እሞ በሉ ሓደራ።
#HaHu

ምንም አስተያየቶች የሉም:

አስተያየት ይለጥፉ