2016 ኦክቶበር 26, ረቡዕ

ደቂ መታሕት ኤርትራ .... (5ይ ክፋል)



ደቂ መታሕት ኤርትራ፣ ብታሪኽ ዝሕበንሉ ብረታዊ ቃልሲ ድዮም ጀሚሮም ወይስ ብታሪኽ ዝሕተቱሉ፧
ኣብ መንጎ ኤርትራዉያን ናይ መንዋና ሃገርዝብል ርድኢት የተሓሳስበኒ እዩ። ኣብ መንጎ ክርስትያን ብዝሰምዖ ዘረባ " ካብ እስላም ዝገዝኡና ኢሰያስ ይሕሸና" ዝብል ርድኢት ብብዝሒ ከም ዘሎ እዩ። እታ ሃገር ናቶም ኮይና ጥራይ እዩ ዝስምዖም መስለኒ።
ኣብ መንጎ እቶም እስልምና ድማ " እዞም ክርስትያን ገዚኦምና። ኣብ ዓድና ከም-ዘይዜጋታት ቶቖጺርና " ክብሉ ይሰምዕ።ገድልና ጨዉዮምብምባልዉን ይኸስዎም እዮም ንክርስትያን ደቂ ከብሳ። ነቲ ነቲሕ ናይ ሸፋቱ ምጅማር ገድሊ፣ ክሳብ ሕጂ ብናፍቖት እዮም ዝዝክርዎ።
ኣብ መንጎ ክርስትያን ብፍላይ ካኣ ተዛረብቲ ትግርኛ፣ካብ ኣከለ-ጉዛይ ዝመርሑና ወድ ጓል ላሕምና(ኢሰያስ)”… ገለ ዝብሉ ካኣ ብብዝሒ ይሰምዕ። እዚኦም እቶምኢሰያስን ብዙሓት ጀነራላትን ደቂ ዓድና ኣለዉናኢሎም ዝሙኩሑ ማለት እዩ። ዝርደኣኩም እንተለኹም እንታይ ማለት ሙዃኑ እናተርጎምኩምልና ኪዱ።
ኣብቶም ደቂ ኣከለጉዛይ ካኣ፣ "ደቂ ሓማሴን ኣግዲዖምና፣ ምስ ዉልቀ-መላኺ ወጊኖም።" ዝብሉ ብብዝሒ ይሰምዕ። ገሊኦም- ወረ ኣብቲ ሽፍትነትዝበዝሑ 'ኣሰዊእና'” 'ዉን ይዉስኽሉ እዮም። ሕጂ 'ዉን ዝበዝሑ 'ስለዘሰዉኡ' እታ ሃገር ናቶም ክትከዉን ኔርዋ ንምባል ኾን ይኸዉን፧ ……ዕድጊ ተረኺቡስ ዝበዝሐ ዝኸፈለ ዝያዳ ብጽሒት ድዩ ክሓትት ማለት ድዩ፧ እንድዒ…….!! እዝጊ ዋንኦም መቸም። ማለት- እቶም ኣብ ላዕሊ ዝገለጽናዮም መራሕቲ ካብኦም እንተ-ዝኾኑ "ናትና እዮም" መሉ ዶ፧……. ምልክት ሕቶ እዩ።
Tigray Pride
ኣብ ዉሽጢ እስልምና ግን፣ መን-ንመን ከምዝወቅስ ኣይፈልጥን ዝነበርኩ። ካብ ተዛረብቲ ትግረ፣ ደቂ ሰምሃር ብብዝሒ መሻርኽቲ ኢሰያስ ከምዝነበሩ ብብዝሒ ይስማዕ እዩ። ስለዚ ኻኣኣብታ ምስጢራዊት ሰልፊ ብሙዃን፣ ክሳብ 1991 ነብሶም እናዓቀቡ ኣስመራ ኣትዮምብምባልዉን ዝነኸሱሎም ኣለዉ። እዚ ክሳብ እዚ ቀረባ ግዜ 'ዉን ኣብ መሪሕነት ናይ ህዝባዊ ግንባር ይንጸባረቕ ኔሩ እዩ። ሕጂ ግን እቲ ወዲ ሰምሃር ዝበሃል 'ዉን የለን ኩላ ተጸንቂቓ እያ። ዕጫ ኢሰያስ በጺሕዋ።
ዝኾነ ኮይኑ ካብ ተዛረብቲ ትግረ መን ንመን ከምዝወቅስ ጠሊቐ ኣስተዉዒለሉ ኣይፈልጥን ዝነበርኩ።
እታ ዕላል ከይረሳዕክዋ ግዳ፣ ናብታ ዕላል ክመልሰኩም እሞ ብሓደ ክንፈልጥ….
ሓደ ግዜ ሓደ ወዲ መንሳዕ፣ ካብ ሓንቲ ከተማ ናይ ኖርወይ ናብ ካልእ ከተማ ምሳይ ተጓዒዙ ንሱ እዩ መኪና ዝዝዉር ኔሩ-ኣነ እየ ምስኡ ተጓዒዘ ማለት እዩ። ናይ ስዋስዉ ጌጋ ክህሉ ይኽእል እዩ። ንሱ ኣዉቲስታ፣ ኣነ ካኣ ኣዕላሊ። ብጥርሑ ይማልኣኒ ስለዝነበረ ዕላል ኣይበቀሉን ዝነበርኩ። ኣነ ገንዘብ ካብ ምብኻን ይድሕን፣ ንሱ ካኣ ካብ ዛንታ ድምጺ ሓፋሽ ይገላገል- ምህሮ ካኣ ይኸስብ። ብትግረ "ክርን ረሒብ ገቢል " እያ ትበሃል ድምጺ ሓፋሽ-ነታ ሓፋሽዉንሰፊሕወይርሒብብምባል የቆናጅዉዋ እዮም። ትግርኛ ጥራይ ንገድሊ ዘቀናጁዉ ከይመስለኩም።
ሕጂ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነተት እናተዛራረብና ኣብዚ ኣርእስቲ እዚ ኣቶኪርና ንዘራረብ ኔርና። ንሱ ብዛዕባ ኣብ ተዛረብቲ ትግርኛ ዘሎ ፍልልይ ብዙሕ ኣይርድኦን እዩ።
" እላ ሓምሴን ኣከሎ-ጉዛይ ሰራየ ልቡላ ስሜት ናይ ቀቢላት ዋላ ሚ፧" //ሓማሴን ኣከለጉዛይ ሰራየ ዝበሃል ስም ናይ ቀቢላታት ድዩ ወላ እንታይ፧// እና' 'ዉን ይሓተኒ ኔሩ እዩ።ኣብ ዉሽጢ ተዛረብቲ ትግራይት(ትግረ) ዘሎ ፍልለይ ግን ግርም ጌሩ እዩ ዝፈታትሎ።
"ሰምዕ ህሌካ፧" ኢሉኒ ድሕሪ ነዊሕ ዝርርብ። ትሰምዕ ኣለኻ ማለቱ እዩ።
"እሊ ኩሉ ለወዱና ልህልወ ምንቶም መስለካ፧"
እዚ ኩሉ ዝገብሩ ዘለዉ መን 'መስለካ፧ እዩ ዝብለኒ ዘሎ።
እህ !! ኢለዮ ናብ ደቂ ስምሃር(ደቂ ናይብ) ተዛረብቲ ትግረ እዩ ኢዱ ከወጣዉጥ እና'ልኩ።
"እሎም ማርያ ቶም !! ኩሎም እሎም ማርያ ትራእዮም ምስል ኢሰያስ ባጥራም ህልዉ። ኣምር ህሌካ፧"
እዞም ደቂ ማርያ ንሶም እዮም እዚ ኹሉ ሽግር ዘስዕቡልና ዘለዉ። ኩሎም ምስ ኢሰያስ እዮም ዘለዉ። ትፈልጥ .......ኢሉ ከም ልምዲ ኣብ ዕላል ቋንቋ ትግረ ዝግበር ተመሊሱ እናሓተተኒ።
ይገረም እዩ።!!
በኣይ ወገን መን ቅኑዕ ኣሎ ኣይርደኣንን እዩ። ሓደ ነገር ግን ይርደኣኒ ኣብ ዓድና ስሚዒታት ናይ ሕብረተስብ እናመዝመዘ ዝገዝእ ስርዓት ነጊሱ ከምዘሎ። እዚ ድማ ኣብ ኣተሓሳስባና ብእንገብሮ ምትዕርራይ ጥራይ ኢና እንስዕሮ።
ኣተሓሳስባ ገድሊ ብምሕካኽ። እቲ ዘይናትና ገድሊ ብሙኹናን።!!
***************************************
ጀማል ዓብደልናስ መራሕ ግብጺ ኣብ መሬት ኤርትራ ኤርትራዊ ዓረባዊ መንነት ንምትካል፣ ንደቂ ቢን-ዓምር ቀዳምነት እዩ ሰሪዕዎም። እዚ ድማ ደቂ-ቢን-ዓምር ምስ ደቂ ሙርቋንያ(Mirghaniyya)//ካብ እንግሊዘኛ ናብ ትግርኛ ብቐጥታ እያ ቶቶርጊማ ዘላ፣ እዛ 'ሙርቋንያ'// ናይ ግብጺናይ ደም ምትእስሳር ስለዝነበሮም ድማ፣ ቀዳምነት ተዋህቦም- ኣብ ጉዳይ ኤርትራ።
ድሕሪ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ምሕባራ፣ መብዛሕተኦም ደቂ ከበሳ ኤርትራ ናብራ መችእዎም ጥራይ ዘይኮነ፣ ንዝለዓለ ትምህርትን ዝለዓለ ሂወት ከስተምቕሩን ንመንገዲ ኣዲስ ኣበባ መዉረዲ ማይ ቀይሮማ ነብሩ። ደቂ መታሕት ድማ ብዓረብ ይመሃሩ ስለዝነበሩ፣ ብሱዳን ኣቢሎም ናብ ግብጺ ብምኻድ ናይ ዝለዐለ ትምህርቲ ዕድላት ይረኽቡ ነበሩ።
ጀማል ዓብደል ናስር እምበኣር ነዚ ኩነታት ክምዝምዝ ኔርዎ። ነቶም ናብ ካይሮ ዝበጽሑ ደቂ መታሕት፣ ናብራ ከምዝጥዕሞምን ከምዝመቻችኦምን ይገብር ነበረ። ብፍላይ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣል-ኣዝሃር ጥጡሕ ባይታ ተነጸፈሎም። ዩኒቨርሲቲ ኣል-ኣዝሃር ድማ በደቂ ምዕራባዊ መታሕት ኤርትራ ከተዕለቕልቕ ጀመረት። ዩኒቨርሲቲ ኣል -ኣዝሃር ዝተመርጸሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ሃይማኖታዊ ዩኒቨርሲቲ ብምንባሩ እዩ። እዚ ድማ ነቲ ዓረባዊ እስላማዊ መንነት ንኽላበስዎ ስለዝተደለየ ነበረ። እምበር ዘይ-ሃይማኖታዊ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ካይሮ ኔሩ ክንሱ እዩ።
ኣቡኡ ድማ ምስ ካልኦት ደቂ ዓረብ ካብ ከም ፍሊስጤም፣ ኣልጀርያ፣ ሊባኖስ ወዘተ. ምስ ዝመጹ ተማሃሮ ብሓባር ግርም ናይ ዓረባዊ መንነት ምልዕዓልን ዓረባዊ ሃገራዉነትን ባይታ ተፈጥረሎም
ሓደ ዓረባዊ ሃገራዊ መንነት ኣብ ዘሓጸረ ግዜ ክምስረት እዩ ድማ ተባህለ።
ኣብ ኣፍሪቃ ድማ ድሕሪ 2 ኲናይ ዓለም ናጻ ሃገር ዝበሃል ኣምር ኣይፍለጥን እዩ ዝነበረ። ሓደ ከም ነጻ ሃገር ክፍለጥ ዝኸኣለ ኔሩ እንተደኣ ኮይኑ ኢትዮጵያ ጥራይ እዩ ዝነበረ ጥልያን ምስ ወጸ ኻኣ እቲ ሓደ ዝነበረ ህዝቢ ናብ ናይ ቀደሙ ሓደ ክምለስ ንቡር እዩ ዝነበረ።
ሃገራት ኣብ ኣፍሪቃ ዝማዕበላ ደሓር ኣብ 60-70ታት እዩ። ድሕሪ እዚ እየን እተን ኣብ ትሕቲ ምዕራባዉያን ኮይነን ከም ግዝኣታት ዝፍለጣ ዝነበራ ግዝኣታት ኣፍሪቃ፣ መግዛእቲ ዝበሃል ኣምር ክሰዓር ስለዝጀመረ ከምቲ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝነበርኦ ናተን ምሕደራ ክፍትና ጀሚረን።
ግብጺ እምበኣር ነዛ ቡኮ መዝሚዛ እያኤርትራዉያን ናትኩም ሃገር ክትሰር ትኽእሉ ኢኹም። ምኽንያቱ ብጥልያን ተገዚእኩም ስለዝነበርኩምእናለት ኣቐዲሙ ዝተዓጽወ ፋይል እናገናጸለት፣ ካብ ኢትዮጵያ ናይ ምእላዮም ጎስጓስ ዝጀመረት።
ክሳብ ለይተ-ሎሚ ድማ ነዚኣ ዛንታ እዚኣ እዩ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ከም ጸሎት ዝደጋግማ። ኤርትራዉያን ነታ ጥልያን ምስ ሚኒሊክ ዝገበራ ዉዕል እዮም ነኺሶማ ዘለዉ። ወዮ ዉዕል ድማ ባዕሉ ኣያ ጥልያን ኣብ 1935 ጠሓሒስዎ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ኣሕቢሩ ገዚእዋ ክንሱ እዩ።
ምኒሊክ ምስ ጥልያን ክንጠቓቓዕ የብልናን፣ ንስኻ ዶብ ኣይትስገር ናብ ግዝኣተይ ተበሃሂኡ ምስ ጥልያን ሚኒሊክ ከምዚ ክገብር ከሎ ንተዛረብቲ ትግርኛ እዩ ዝኸድዕ ዝነበረ። ተዛረብቲ ትግርኛ መረብ ምላሽን ስግር መረብን ድማ ንሚኒሊክ ክሳብ ለይቲ ሎሚ በዛኣ ቂም ሒዞምሉ ይነብሩ ኣለዉ።
ምኒሊክ ነዚ ክገብር ከሎ ብዛዕባ ስልጣኑ ድማ እዩ ዝሓስብ ዝነበረ። በዚኣ ድማ ዋሕስ ተተኻኺሎም ምስ ጥልያን። ነዚ ድማ ጣልያን ባዕሉ ረማሲስዋ እዩ። ዉዕል የለ ድምጽማጽ ዉዕል ሕጂ።
ናይ ምንታይ ዉዕል ኢኹም ክኽበር ትብሉ ዘለኹም፧
****************
6
ክፋል ኣለና ብሓደ ......

ምንም አስተያየቶች የሉም:

አስተያየት ይለጥፉ