2016 ኦክቶበር 24, ሰኞ


ከመይ ኣለኻ ህዝቢ ትግራይ

ስኢልካ፤ ጠሊፍካ፤ ሰፊኻ አዲንካ ፤ ኣኻውሕ ወቒርካ ቀሪፅካ
ግኡዝ ኣፍ ኣውፂኡ ክዛረብ ብምግባር፤ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ኣብ ሰረገላ ስልጣነ ዓለም ተኾርኒዕኻ ከፍ ዝበልካ
ህዝቢ ትግራይ ከመይ ኣለኻ።
ወናኒ ንግስተሳባዊ ስርወ መንግስቲ፤ ወናኒ ፍልስፍና ዘርኣያቆባውን ያሬዳውን
ኣቦ ባዜን ረምሃይ፤ ዓዲ አድባራትን ገዳማትን ፤
ዓዲ መሳጊድን ነጃሽን ፤
ኣቦ ደቂቀ ስጢፋኖስ ኣቦ አሉላ፤
ኣቦ ስሑላትን ኣግአዝያንን፤
ኣቦ ዓሳድን ዓሳ ባሪን ፤
ኣቦ ማርታን ምሕረትን …
ኣቦ ሓየሎም፡ ቁሩሕ ዝምቕማጥካ፤
ብማዕዶ ትልለ ህዝቢ ትግራይ ከመይ ኣለኻ።
ካብ ኣፍካ ዘቢብ ፤ ካብ ላምካ ልግዐ፤ ካብ ቆፉፉኻ መዓር ዝሕለቦ፤
፤ ቅርዓትካን ጎዶቦኻን ለሰ ፤
ልግስኻ ማይ ነሓሰ፤
ለጊስካ እትሕጎስ ፤
ሂብካ ዘይትመኑ፤ ስዒርካ “ሪኡኹሞዶ ጉማ እንትዕብልልየ” ኢልካ ዘይተጀሃር፤
ንፈኸራን ዳንኼራን ድምብርፅ ዘይትብል፤
ፈቲኻ ዘይትፀልእ፤ ኣንታ ወረጃ ሚዛን፤
ኣንታ በሊሕ ከም ቆቓሕባ፤
ኣንታ ዓርሞሸሽ ከም ሓራስ ሓርማዝ ፤
ኣንታ ፅላል ዓባየ ዳዕሮ፤ ኣንታ ዘይትደሃል እምባ፤
ከም እምባ ምቑንዳይ ከም ጎቦ ዓሲምባ፤
ኣንታ ዋልታን መኸታን
ኣንታ ዕቑባን በዓትን፤
ህዝበይ ህዝቢ ትግራይ ከመይ ኣለኻ?
ኣንታ ጎይታ ጎላጉልን አኽራናትን፤
ኣንታ ጎይታ ባዕኼላይን ዋላኹን፤
ጎይታ እንተላምን ያሒትን፤
ኣንታ ጎይታ ጥሪትን ንዋይን፤
ኣንታ በዓል ዓሕን ኩትን …
ህዝበይ ህዝቢ ትግራይ ከመይ ኣለኻ?
ከመይ ኣለኻ ህዝቢ ትግራይ ?
ኣንታ ውፉይ ኣንታ ተጋዳላይ።
ኣብ ክልቲኡ ቁዱሳን መፃሕፍቲ ተጠቃሳይ፡
ልዐሊ ሰብ ክትኾን ዘይትምነ፤ ትሕቲ ሰብ ክትከውን ዘይትፈቱ፤
ዕድሉ ኣብ እንግድዑ ሒዝዋ ዝነብር፤
ከም ዓርደም ግመል በራሕለ
ፀይሩ ዘይጉርበስ ፀውራ ናቱ ናይአሕዋቱ
ክጎብጠካ ንዝመፀ ኣንበጣ ከም ራዛ ብሓንቲ ወስታ ትጭልጦ፤
እንትእከቡ ትኸቦም፤
ከም ደቂ ዛግራ እንትብተኑ ትኹብኩቦም፤
ንዝኣመኑኻ ተዕቑቦም፤
ንዝተዘራረጉ ዝግ ተብሎም፤
ንዝተፋሕሱ ውዲታት ትፋርኾም ፤
ንዝማረኽካዮም ትሕብሕቦም፤ …
ኣንታ ቦቕባቕ ሕያዋት፤ ኣንታ ቆሊባ ጨማታይ…
ፀሓይኳ ትደነልካ ኮርዒዳይ….
ከመይ ኢኻ ህዝቢ ትግራይ?
ቁምብሊታት ረሽራሽ፤
ፊሽሽቲ ብዘይዚረ
ዋሕዙ ኣብ ርእሱ እናነጎደ
ክምብርከኽ እንተበልዎ ዝሕርን፤
ክሰግድ እንትብልዎ ዝገርር፤
ከመይ ኢኻ ህዝቢ ትግራይ ።
ኣብ መጋርያ ሓዊ እናተጠብሰ ፤ ቁምብሊ ወዲኤን ኣብ ማይዲ ደው ንዝበላ ታንክታት፤ዘዝሞተ ሞይቱ ዘዝተረፈ ተሪፉ ዓረር ፀይሩ ዘብፀሓለን ህዝቢ ፤
ከመይ ኢኻ ህዝቢ ትግራይ።
ወድኻ
ወይ ጓልካ
ኣብ ዕላማን መስርዕን ተሰዊኦም ኢልካ ንክትነግሮ ብዳስን ሓዘንን ዘይኮነስ ብኹርዓት እትኸዶ ህዝቢ ፤ ከመይ ትኸውን ህዝቢ ትግራይ ?
እቲ ሓደ እንተኸደ ኣሽሓት ሊቃውንቲ ጫጪሕኻ እትሓድር ፤
ጌጋ ውድብ ብመስዋእትነት ትእርም፤
ኣብ ቅድሜካ ማንም ዘይንየት፤
ኣብ ቅድሜካ ማንም ዘየጓዕቲ ፤
ፍትሓዊ ዳይና ሓቀኛ መጓቲ…
............................ከመይ ኣለኻ ህዝቢ ትግራይ።
ንትንቢተ ኦሪት መለኣያ ኣፋ ፤
ደጊም ኣይክትሓልፍን ጊዜ ከም ምሕላፋ።

ጋዜጠኛን ደራስን ነጋ ዘርኡ
ሓምለ 2008 ዓ/ም

ምንም አስተያየቶች የሉም:

አስተያየት ይለጥፉ